Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

i will never leave you nor forsake you


ዘዳግም 31:8 | 12 Helpful votes

እቲ ቐቅድሜኻ ዚኸይድ ድማ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱ ምሳኻ ኪኸውን እዩ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን ከኣ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ድማ።

Translation | Context
ዘዳግም 31:6 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ፡ ስለዚ ጽናዑትብዑኣይትፍርሁብኣታቶም ኣይትሸበሩ።

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 7 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ

Translation | Context
እያሱ 1:9 | 6 Helpful votes

ጽናዕትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:10-13 | 5 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ። እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ዂሎም ኪንውሩ ኪሐፍሩን እዮም፡ መጻርርትኻ ድማ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም። ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 5 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ

Translation | Context
እብራውያን 13:5-6 | 4 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡስለዚ ተቢዕናእግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል

Translation | Context
ማቴዎስ 28:20 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6-7 | 3 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 13:6 | 3 Helpful votes

ስለዚ ተቢዕናእግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል

Translation | Context
እያሱ 1:5 | 3 Helpful votes

ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሐድገካን ኣይጥንጥነካንውን

Translation | Context
መዝሙር 55:22 | 3 Helpful votes

ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፣ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 2 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:7 | 2 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
እብራውያን 4:16 | 2 Helpful votes

ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 28:20 | 2 Helpful votes

ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን በሎእግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኸይ፡ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ጽናዕን ትባዕን ስራሕንኣይትፍራህኣይትሸበር ከኣ። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን ኲሉ ዕዮ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ ንሱ ኣይኪጠልመካን ኣይኪሐድገካን ከካ እዩ።

Translation | Context